BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

Tigrinya Top Stories

ከይሓልፈኩም

  • ባጤራ ናቕፋ

    ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርን ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዕድላት ግብራዊ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎን ብድሆታቱን ኣብ ዝምልከት እምበኣር፡ ቢቢሲ እምበኣር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ዛዕባ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

  • ፕረዚደንት ኢጣልያ ነበር ኦስካር ሉዊጂ ስካልፋሮ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1997

    ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?

    ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ንናይ ቀደም ግዝኣታተን ብዝተፈላለየ መዳያት ብምሕጋዝን፡ ከይተባተኻ ፍሉይ ዝምድና ከማዕብላ ይረኣያ። ኤርትራን ኢጣልያን ግን እንታይ እዩ ታሪኸን? ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ከመይ እናበለ ክመጽእ ጸኒሑ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ፤

  • ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት ጎይትኦም

    ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን

    ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው። ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።

  • መዓስከር

    ኣዋሽ ኣርባ፡ ‘ሰባት ብዘይ ክሲን ብዘይ ፍርዲን ንኣዋርሕ ዝእሰሩሉ ወተሃደራዊ መዓስከር’

    እዚ ዛንታ፡ ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዘስካሕክሕ ግዜ ዘሕለፉ እሱራት እዩ። ንሱ፡ ሕጂ’ውን ናይ ጸጥታ ስክፍታ ስለዘለዎ፡ ንድሕነቱ ክበሃል ስሙ ኣይንገልጾን፤ ብተወሳኺ መንነቱ ንምልላይ ዘኽእሉ ሓበሬታታት’ውን ተኣልዮም እዮም። ፍጻመ ማእሰርቱን ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝነበሮ ተመኵሮን ብዝምልከት ግን ብቃላቱ ከምዚ ዝስዕብ ይየዘንቱ።

  • መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ

    ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?

    ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ብግጭት፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝፍለጥ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ እዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ሓደ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት እዩ። ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን’ውን ጽልዋ ኣለዎ።

  • ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ

    ኤርትራ፡ ዘይተነግረ ክፋል ዛንታ ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ

    ሓንቲ ካብተን ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ብረት ዓጢቐን ዝተቓለሳ ቀዳሞት ደቀንስትዮ ዝኾነት ተጋዳሊት ወርቁ ዘርኣይ፡ ኣብ መበል 75 ዓመታ ብሕማም ዓሪፋ። ታሪኻ ግን እቲ ኣብ ስነስርዓት ቀብራ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ዝተነበበ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ክምላእን ዝግባኦ ዘይተነግረ ክፋል ኣሎዎ? ቢቢሲ ትግርኛ ንቀረባ ፈለጥታን መቓልስታን ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ።

  • ቢትኮይን ክሪፕቶ ካረንሲ

    ክሪፕቶ፡ ሚልዮናት ዶላር ኤርትራውያን ኣበይ ኣተወ? በዓል መን ከ ረቢሖም?

    ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ምምጻእ ዲጂታዊ ባጤራ ኣብ ናይ ‘ሓበሻ ኮምዩኒቲ’ ንግዲ ክሪፕቶ ካረንሲ፡ ኣርባሒ ምዃኑን ሰባት ነቲ ዕድል ክጥቀመሉን ክጒስጐስ ጸኒሑ ኣሎ። ግን እቲ ዝተባህለ ማዕረ እቲ ዝንገር ሓቅነት ኣለዎ ድዩ? ሓደጋታቱ ኸ እንታይ ይመልስ? ኣብ ከምዚ ወፊሩ ዝበሃል ሚልዮናት ዶላር ኤርትራውያን ኣበይ ኣተወ፡ መን’ከ ረቢሑሉ ንዝብል ሕቶ ቢቢሲ ብዝርዝር ዳህሲስዎ ኣሎ።

  • ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን

    ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ዝምድና ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ካበይ ናበይ?

    እቲ ኣብ መፋርቕ 2018 ዝፈለመን ንብዙሓት ዘገረመ ዝምድና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከም ቀደሙ የለን ዝብል መረዳእታ ኣሎ። እዚ ግን ክሳብ ክንደይ ወድዓውነትን ሓቅነትን ኣለዎ? ኣብ መንጐኦም’ከ ወጥርን ምትፍናንን ኣሎ ድዩ? ህሉው ኵነታት ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እንታይ ይመስል? ቢቢሲ ትግርኛ ብስፍሓት ዳህሲሱዎ ኣሎ።

  • ዋንጫ ኣፍሪቃ

    ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ ሰሌዳ ግጥማትን ውጽኢትን

    ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 (ኣፍኮን) ካብ ሰንበት 13 ጥሪ ጀሚሩ ክሳዕ ሰንበት 11 ለካቲት 2024 ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ’ዩ።

  • ብዓጸቦ ዝተጠቕዐ ቈልዓ

    ትግራይ፡ ዘስካሕክሕ ጥሜት ‘77’ ኣብ 40 ዓመቱ ክድገም’ዶ ይኸውን?

    ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ይዅን ብድሕሪኡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ጥሜትን ድርቂን ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝበሃል ኣብ መንጐ 1888ን 1892ን ዘጋጠመ ኰይኑ ኣስታት ሓደ ሲሶ ህዝቢ ቀቲሉ። እቲ ኣብ 1984 (1977 - ግእዝ) ዘጋጠመ ድርቂ ግን ካብ ኵሎም ዝኸፍአ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ። እዚ ከይድገም ድማ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ፤

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ብብዝሒ ዝተነበ